ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ብ7 ግንቦት ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞ ኮማት ኣብ ኣተገባብራኡን ብሰፊሑ ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ዝምልከቶም ሓለፍቲን ኣመሓደርትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን፡ ኣብ’ቲ ዞባ ድሮ ንዝሰላሰል ዘሎን ኣብ ውጥን ንዝርከብን መደባት ልምዓት – በብጽላቱን ከከም ቀዳምነታቱን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ዝቘማ ናይ ልምዓት ኮሚቴታት፡ ናብ ምምሕዳራት ከባቢን ዓድታትን እናወረዳ ስራሐን ይፍጽማ ምህላወን ሓቢሩ። ንኣድማዕነት ናይ’ቲ መደባት፡ ምሕያል ውዳበታት ህዝቢ መሰረታዊ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ብወገኖም፡ ኣብ ሕርሻ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታት፡ ኣብ ምዕዳል ጤሳን ጉዳይ መለሳ መሬትን፡ ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርቲን፡ ኣብ ጉዳይ ኣካረይትን ተኻረይትን ንዝተሰርሐን ኣብ መስርሕ ዝርከብን፡ ከምኡ’ውን ንትግባረ ተዳልዩ ኣብ ዘሎ መደባት መብርሂ ሂቦም።

ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምክልኻልን ንምጥፋእን፡ ሓረስቶት ብመሰረት ዝተዋህቦም ሞያዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ግራውቶም ቀጻሊ ኰለላታት ክገብሩ፡ ዕፉንን ማሸላን ድማ ተማሕዩ ክቃጸል መምርሒ ተዋሂቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ልዕሊ 51 ሽሕ ህዝቢ ዝሓዛ፡ ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተጠርነፋ – 21 ዓድታትን ኣለዋ።

Categories