ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ምስ ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ‘ኣልበሰር’ ብምትሕብባር፡ ን325 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ተኻዪዱ።

እቲ ስራሕ፡ ካብ 3 ክሳብ 6 ግንቦት ኣብ ሆስፒታል ግራር ዝተሰላሰለ ኮይኑ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ዝነበሮም ካብ መላእ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመጹ ዜጋታት እዩ ተገይሩሎም።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ግራር ዶ/ር ኢዮብ በየነ፡ እቲ መደብ ብኹሉንትናኡ ጽፉፍ ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተኻየደ ጐስጓሳት ምዃኑ ገሊጹ።

ዝተፈላለየ ዓይነታት ሕማም ንዝነበሮም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዜጋታት እውን፡ መድሃኒትን መነጸር ዓይኒን ከም እተዓደለ ዝሓበረ ዶ/ር ኢዮብ፡ ዑረት ንምውጋድ ዝካየድ ወፍሪ ንምዕዋት፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ጠንቂታት ምብራኽ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

እዚ ዓመት መጸ ምስ ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ‘ኣልበሰር’ ብምትሕብባር ዝሰላሰል መደብ፡ ሓድሕዳዊ ተመኲሮታት ኣብ ምልውዋጥ እውን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ኣወሃሃዲ ጉጅለ ‘ኣልበሰር’ ዶ/ር መሓመድ ሑሴን፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዓመት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ንዝግበረሎም ምትሕብባርን ናይ ምውዳብ ብቕዓትን ሞጒሱ።

ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’፡ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ንልዕሊ 2200 ዜጋታት መብጣሕቲ ዓይኒ ከምዘካየደ፡ ሰነዳት ሆስፒታል ግራር የረድኡ።

***

Categories