ዓሰርተ ሓደ ሜትሮ ዝቚመቱ ዓሳ ነባሪ፡ ብ28 ሚያዝያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ራስ- ሓማስ – ከባቢ ገደም፡ ሞይቱ – ተገፊዑ ተረኺቡ።

ካብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ካብ ዓሌታት ብ‘ራይድስ’ ኮይኑ፡ ኣብ ደጋዊ ክፋላቱ ብዝተኻየደ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ ብዓበይቲ መራኽብ ተሃሪሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝእምት’ዩ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ክልተ ዓሳታት ነባሪ ሞይቶም ተገፊዖም ከምዝተረኽቡ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ድማ ኣርባዕተ ዓሳታት ብተመሳሳሊ ከምዝሞቱ ዝሕብር ጸብጻብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ እዚኦም ብጭቡጥ ዝተረኽቡ’ምበር እቲ ቊጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣስታት 16 ዓሌታት ዓሳ ነባሪ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Categories