ኣብ ከባቢ ሓውሲ ከተማ ተኾምብያ ኣብ ዝርከብ ገማግም ሩባ ጋሽ ብውልቀ- ሓረስቶት ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ጀራዲን ንምምዕባል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣልማዕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ብዘለዎ ጸጋታት ማይን መሬትን ንኣሕምልትን ፍረታትን ምቹእ ምዃኑ ብምሕባር፡ ብሞያውያን ሕርሻ ብዝወሃቦም ቀጻሊ ምኽሪን ምትብባዕን እናተደገፉ፡ ኣበርቲዖም ይነጥፉ ምህላዎም ገሊጾም።

ብዙሕ ሕጽረታት ስለዝነበሮም ዕቱብ ስራሕ ክዓሙ ከምዘይጸንሑ ብምጥቃስ፡ ብማሕበር ተጠርኒፎም ናይ ሞተረታት ሓገዝ ድሕሪ ምርካቦም፡ ምህርቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዓይነትን መጠንን ክብ ይብል ከምዘሎ ሓቢሮም።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣቶ ደበሳይ ቀለታ፡ እቲ ብውልቀ-ሓረስቶት ኣብ 100 ሄክታር ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን፡ ጠለብ ዕዳጋታት ናይ’ቲ ከባቢ ይምልስ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories