ጠንቅታት ፊስቱላ ንምውጋድ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዝተወሃሃደ ስራሕ ክካየድ ከምዝግባእ፡ ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶክተር ሃብተ ሃይለመለኮት ኣገንዚቡ።

ዶክተር ሃብተ፡ ቀንዲ ጠንቂ ፊስቱላ ዕጉት ሕርሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ንምክልኻል መርዓ ትሕቲ ዕድመ ክውገድ፡ ከምኡ’ውን ናብ ትካላት ጥዕና እናኸድካ ግቡእ ክንክን ቅድመ-ሕርሲ ምዝውታር ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

መንግስቲ፡ ንጥዕናውን ማሕበራውን ሃስያ ፊስቱላ ተገንዚቡ፡ ንግዳያት ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ናጻ ናይ ሕክምናን ተሃድሶን ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ሕብረተሰብ በብከባቢኡ ንምትብባዐን ዝወስዶ ተበግሶታት’ውን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተሓጋጋዚት ወኪል ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ወይዘሮ ዮርዳኖስ መሓሪ ብወገና፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ሳዕቤናቱ ከቢድ፡ በሰላኡ ድማ ዘይሃስስ ስለዝኾነ፡ ንምውጋዱ ውሁድን ዘይሕለልን ቃልሲ ብዝሓየለ ክቕጽል ተላብያ።

Categories