ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ሓረስቶት ምምሕዳራት ከባቢ መንሸብ፡ ቲሉክ፡ ገድገድ፡ ወቒሮን ወድኢሉን፡ ኣፍልጦኦም ኣብ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምብራኽን ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ቅድመ-ምድላዋት ተራኦም ንኸዕዝዙ ኣስተምህሮታት ሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ፡ ኣብ ዘራእቲ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዕፉንን መሸላን ድማ ብፍላይ ዓቢ ዕንወት ዘኸትል ስለ ዝዀነ፡ ሓረስቶት ግራውቶም ብቐጻሊ ተኽሊ ብተኽሊ ክከታተሉ፡ ምስ ዘጋጥም ድማ ብቕልጡፍ ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩን ብዝቐሰምዎ ትምህርቲ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ ብመሰረት ዝተዋህቦም ምኽርን ሓበሬታን፡ ምስ ክኢላታት ሕርሻ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ነቲ ሓደገኛ ባልዕ ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተራን ኣበርክቶን ሓረስቶት ወሳኒ ምዃኑ ብምብራህ፡ ኣብ ግራውቶም ቀጻሊ ኮለላ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories