ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባዊ፡ ስፖርታውን ትምህርቲ ጠቀስን ውድድራት ዘጠቓለለ ቅነ ኣብያተ-ትምህርት ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽን ዓሰብን፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ።

እቲ ቅነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዓቕሚታት ተመሃሮ ኣብ ምዂስኳስን ኣብ መንጎኦም ዝፈጥሮ ቅዱስ ናይ ውድድር መንፈስን፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓድሕዳዊ ዝምድናን ተመኲሮን ብምልውዋጥ ዕብየትን ምዕባለን ትምህርቲ ንምርጋግጽ ሓጋዚ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ቅነ ብውልቅን ብደረጃ ቤት- ትምህርትን ዕዉታት ዝኾኑ፡ ኣብ’ቲ ብደረጃ ዞባን ሃገርን ዝቃናዕ ቅነ ትምህርቲ ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ምዕዋት’ቲ ቅነ፡ ተራ ወለዲ፡ መማህራንን መሻርኽቲ ኣካላትን ዕዙዝ ምንባሩ ተገሊጹ።

***

Categories