ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ገስጋስ ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ንኽስጉም፡ ንጡፍ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ወሳኒ ምዃኑ፡ ብ1 ግንቦት ኣብ ንኡስ ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ገሊጹ።

ዕዙዝ ኣበርክቶን ተወፋይነትን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ዝጠቐሰ ኣቶ ሳልሕ፡ መንእሰያት፡ ረዚን ሕድሪ ተረኪቦም፡ ኣብ ልምዓት ሃገር ዓጸፋ ክሰርሑ መድረኽ ዝሓቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

መንእሰያት ተረባሕቲ ጸጋታት ሃገር ንክዀኑ፡ ነጻ ናይ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ዕድላት ተራሕዩ ምህላዉ ብምሕባር ድማ፡ ኩለንትናዊ ብቕዓት ንኽውንኑ ሓያል ጻዕሪ ክገብሩ ተላብዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ምርባሕ ንህቢ፡ ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ቀዳማይ ረድኤትን ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝሰልጠኑ 380 መንእሰያት ክምረቑ እንከለዉ፡ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ንኽልተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ስፖርታውን ፍልጠት-ጠቀስን ውድድራት ድማ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ብሞያ ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ በብዓውዶም ክነጥፉ ምስ ዝደልዩ፡ ናይ ልቓሕ ዕድላት ተፈጢሩሎም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር፡ ሓድሕዳዊ ተመኲሮታት ንምህብታምን ውህደት መንእሰያት ንምሕያልን፡ ተመሳሳሊ መደባት ቀጻልነት ክህልዎ ኣዘኻኺሩ።

Categories