ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ ኣስታት 100 ሄክታር ዘልምዕዎ ዘለዉ ጣፍ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ብርሃነ ኪዳነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝካየድ ንጥፈታት ልምዓት ጀራዲን መብዛሕትኡ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣተኲሩ ምጽንሑ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ’ዚ ግዜ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ተላታዓሸር፡ ዓሊ-ግደር፡ ዓድ-ሽቡልን ደባቴብን ጣፍ ምልማዕ ከምዝተጀመረን ጽቡቕ እቶት ክርከቦ ትጽቢት ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ጻዕዳ-ሽጕርቲ፡ ድንሽ፡ ዓተርን ኣባዕኸን ተፈቲኑ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን’ውን ኣረዲኡ።

ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ጣፍ ንክሊማ ናይ’ቲ ከባቢ እናለመዶ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ከም ስርናይ ዝኣመሰለ ካልእ ኣዝርእቲ ክፍትኑ መደብ ከምዘለዎም’ውን ኣሚቶም።

Categories