ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምትሕብባር ኣብ ዝወደቦ፡ ኣብ ምምሕያሽ ብቕዓት ምሕደራ ስፖርትን ባህልን ዘተኰረ ስልጠና፡ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን ስራሕ ኣዳልዩ።

ኣብ’ቲ ንክልተ ቅነ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኮሚሽን ስፖርት፡ ጨናፍር ዞባታት፡ ሃገራውያን ፈደረሽናት፡ ሃገራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴን ሃገራዊ ኮሚተ ‘ፓራ ኦሎምፒክ’ን ዝተዋጽኡ 62 ኣባላት ተሳቲፎም።

ብ6 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ እቲ ስልጠና፡ ምርግጋጽ ጽፈትን ስሉጥነትን ምሕደራ፡ ምውህሃድ ኣካላት ስፖርት፡ ምሕያል መሪሕነት፡ ሜላታት ምብህሃል፡ ምሕያልን ምትብባዕን መሃዝነታዊ ኣተሓሳስባ፡ ምምዕባል ባህሊ ሓባራዊ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ኣገባብ ምክትታልን ገምጋምን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰረ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ 2019 ክሳብ 2023 ዝኸይድ፡ ብልጫታትን ሃጓፋትን ከምኡ’ውን ክትግበሩ ዝግብኦም ስራሓት ዘነጽር እማመታት ዝሓቘፈ፡ ናይ 5 ዓመታት ስትራተጂያዊ ውጥን ተዳልዩ።

“ሕጽረታትካ ከተለሊ ካብ ምኽኣል ዝዓቢ ዓወት የለን” ዝበለ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ብመሰረት’ቲ ውጥን፡ ዘለዉ ጸጋታት ብምውህሃድ፡ ኣብቶም ቀዳምነታት ብምትኳር ክስራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories