ኣብ 16 ምምሕዳራት ከባቢ – ንኡስ ዞባ ጸሮናን 5 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊን፡ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ኣድማዒ ንጥፈታት ተሰላሲሉ። እቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ካብ ወርሒ ለካቲት ዝተዓመ ዕዮ፡ ምምድማድ መሬት ሕርሻን ምስራሕ ዛላታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣስታት 200 ሄክታር ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣምኒ-ሓይሊ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ጣፋ፡ ኲዶ ዝብኢ፡ ዓዲ-ዓጓ፡ ሓውሲ ከተማ እምኒ- ሓይልን ዓዲ-ያቅነን ድማ፡ ኣብ 500 ሄክታር ኣድማዒ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምዝተሰላሰለ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናወፈሩ ዘሳለጥዎ ስራሕ፡ ኣስታት 16 ኪሎ- ሜትር ቅናታዊ ዛላን 293 ሜተር/ኲብ ከትርታትን ከምዘጠቓልል፡ ወኪል ኤሪና ይሕብር።

Categories