ኣብ ሓሽሻይ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምድንፋዕን፡ ተሳትፎን ውጽኢትን ተመሃሮ ንምሕያልን ዝሕግዝ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብደረጃ ዞባን ንኡስ ዞባን ዝነጥፉ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምኡ’ውን ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓሺሻይ፡ ጎልያ፡ ሸንጌንን ባዶብን ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ኣብ ተራ ስሉሳዊ ዝምድና ብዝሰፊሑ ከምእተዘተየ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ መምህር ሳልሕ ኢብራሂም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ከም’ቲ ክኸውን ዝግብኦ ስለዘየለ፡ ተራ ወለዲን ምምሕዳራት ከባብን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ዑስማን ብወገና፡ ዘይምጥርናፍ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍታሕ ንኽረክብ ከምዝስራሓሉ ኣረጋጊጻ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ክሕይል፡ ወለዲ ደቆም ክልእኹን ክከታተሉን፡ ተመሃሮ ድማ ንብሩህ መጻኢኦም ብምምዕዳው ተወዳደርቲ ክኾኑ መኺሩ።

ኣብ 1993 ኣገልግሎት ዝጀመረት ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት- ትምህርቲ ሓሺሻይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 838 ተመሃሮ ኣለውዋ።

Categories