ሸውዓተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ከረን፡ ጽሬት ከባቢአን ብምሕላው ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ንምቊጽጻር፡ ኮም ዝሰረቱ መደብ ከባብያዊ ጥዕና ኣተኣታትየን።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ነበርቲ ቁኒዕ፡ ደሮቕ፡ ወሰበንስሪዂ፡ ሕመራይ፡ ድጊ፡ ሸሸሪማን ደርሙሽን ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ዘዕግብ ውጽኢት ተረኺብዎ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 160 ዓድታት ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባብያዊ ጥዕና ከምዘተኣታተዋ ዝጠቅስ እቲ ኣሃዱ፡ እተን ዝተረፋ ኣብ መስርሕ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

Categories