ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ኣሰየሀኝ ሃይለ፡ ብ2 ግንቦት ብሕማም ኣብ መበል 72 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ መፋርቕ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሌተና ኮሎኔል ኣሰየሀኝ፡ ክሳብ ምምጻእ ናጽነት ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ፡ ድሕሪኡ – ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ከም ኣባል ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ኣሰየሀኝ ሃይለ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 4 ግንቦት ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብመስዋእቲ ሌተና ኮሎኔል ኣሰየሀኝ ሃይለ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories