ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ውዳበታቶም ዝግምግምን ዘደንፍዕን መደባት ከምዘሰላሰሉ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን፡ ኣብ ህልው ምዕባለታትን ተራ ዜጋታት ኣብ መድረኻዊ ተልእኾን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዳ።

ኣምባሳደር ሃና፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታትን ኣብ ሃገራዊ መደባት ዝግበረሎም ትጽቢትን፡ ኣገዳስነት ውዳበ ዜጋታትን ምሕያል ሃገራውያን ውዳበታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ሃገርናን መብርሂ ሂባ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ውዳበ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብ28ን 29ን ሚያዝያ፡ ኣብ ሃይደልበርግ ዓመታዊ ኣኼባ ኣቃኒዑ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ንህልው ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ገስጋሱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ዘካይድዎ ዘለዉ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማስን ገስጋሱን ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ብወገኑ፡ ንጥፈታት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ጀርመንን ናይ መጻኢ መደባቱን ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ዓመታዊ ዋዕላ ሃገራውያን ውዳበታት ዞባ ማእከላይ ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ 21 ክሳብ 23 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኦሃዮ – ኮሎምቦስ ተቓኒዑ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ “ህልው ኩነታት ሃገርን ምሕያል ግንባርን” ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣስተምህሮ ሂቡ።

ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ወይዘሮ ሓድነት ቀለታን ኣቦ-መንበር ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ምሕረትኣብ ዓንደብርሃንን እውን፡ ንመደባት ስራሕ 4ይ ግንባር መኸተን ቊጠባዊ ልምዓትን፡ ከምኡ’ውን ንቕርጽን ኣሰራርሓን ሃገራዊ ሽማግለ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቦም።

Categories