ኣብ ከተማ ባረንቱ፡ ብምውህሃድ ስታፍ ምምሕዳር እዚ ምዕራባዊ ግንባርን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካን ዝተወደበ፡ ኣብ ምሕያል ብቕዓት መሪሕነት ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ንክልተ ቕነ ዝቐጸለ ስልጠና፡ ሓለፍቲ ስታፍ ምምሕዳር እዚ ምዕራባዊ ግንባር፡ ከምኡ’ውን ስታፋት ምምሕዳር ክፍላተ-ሰራዊት ናይ’ቲ ግንባር ዘጠቓልሉ 87 ኣባላት ተሳቲፎም።

ብ2 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት መመረቕታ፡ እቲ ስልጠና፡ ኣምርን መትከላትን ኣመራርሓ፡ ኣገባብ ኣፈታትሓ ሽግራት፡ ምሕደራ ንብረትን መዛግብትን፡ ዓይነታት ኣቀራርባ ጸብጻብ፡ መለለዪ ባህርያት ንፉዕ መራሒ፡ ኣገባባት ምምራሕ ኣኼባታትን ምህናጽ እወታዊ ኣተሓሳስባን ዝብሉ ዛዕባታት ዘጣመረ ምንባሩ ተገሊጹ።

ሓላፊ ስታፍ ምምሕዳር ምዕራባዊ ግንባር ሌተና ኮሎኔል ክብሮም ኣብርሃ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና ብቐንዱ ኣካል ናይቲ ሞያዊ ብቕዓት ኣባላት ናይ ምሕያል መደባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድዓሊ ኢብራሂም፡ ትምህርትን ስልጠናን ምስ ህይወትን ምዕባለን ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ፡ ዘየቋርጽ ፍልጠት ናይ ምድላብ ባህሪ ኣብ ኩሉ ጽላታት ክምዕብል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ። ስታፍ ምምሕዳር እዚ ምዕራባዊ ግንባር ንዝወሰዶ ተበግሶ ድማ ሞጒሱ።

Categories