ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳራት ከባቢ ማልካ፡ ሮብሮብያ፡ ሩባ ሓዳስን ፎሮን ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምግታእን ንምጥፋእን ግብራዊ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ።

ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ኣስመሮም ሽመንዲ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ኣስታት ዓሰርተ ሄክታር ጀራዲን ካብ ዝተዘርአ ዕፉን እቲ ኣርባዕተ ሄክታር በቲ ባልዕ ተጠቒዑ ብምጽንሑ ከምእተቓጸለ ገሊጹ።

ኣፍልጦ ሓረስቶት ንምብራኽ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ጐስጓስን ኣስተምህሮታትን፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ጠቒሱ ድማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሓረስታይ ግራቱ ብግቡእ ክከታተልን ዝኾነ ዓይነት ተርእዮ ባልዕ ምስ ዘጋጥሞ ንዝምልከቶ ኣካል ቅልጡፍ ሓበሬታ ክህብን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ብክራማት ባሕሪን ከበሳን ዝለምዕ ልዕሊ 8 ሽሕ ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ከምዘሎ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድእ።

Categories