ኣባላት ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶኦም ብዛዕባ ዝተዘተየሎም ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ዝሓለፉ ውሳኔታትን ለበዋታትን፡ ንነበርቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ መብርሂ ሂቦም።

ንሳቶም፡ ኣብ ምምላእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምውዳድ ትሕተ- ቅርጺ ሕርሻን ብዛዕባ ዝተሰላሰለን ኣብ መጻኢ ክትግበር ተወጢኑ ዘሎን መደባት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ህዝቢ ውዳበታቱ ብምሕያል ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ጸዊዖም።

ኣብ ባዳ፡ ዒላ-ባቡን ወቒሮን ዝተጀመረ ስርሓት ትሕተ-ቅርጺ ክቀላጠፍ፡ ወለዲ ድማ ንተመሃሮ ደቆም ኣብ ምትብባዕን ምክትታልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ፡ ባይቶ ካብ ዘሕለፎም ለበዋታት ምዃኖም’ውን ሓቢሮም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ መተካእታ ዕንጸይቲ ዝኸውን ጸዓት ዝርከበሉ ባይታ ክጣጣሕ፡ ግቡኦም ዝፈጸሙ ዜጋታት ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ክወሃቦም፡ ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ጊንዳዕን ደንጎሎ ላዕላይን ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories