ኣብ ‘ኤሪቴል’ ብርኪ ምውናን ኣርባሒ ወፍሪ ከምዝኾነ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

‘ኤሪቴል’ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣገልግሎቱ እናሰፍሐ፡ መኽሰቡ እውን ብኡ መጠን እናዓበየ ስለዝመጸ፡ መንግስቲ ኣብ 2013 ዜጋታት ተረባሕቲ ናይ’ዚ ኣኽሳቢ ትካል ንክኾኑ፡ ብርክታት ክሸይጥ ከምዝወሰነ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ተስፋስላሴ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዝነብሩ 746 ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ትካል 55,849 ብርክታት ወኒኖም ምህላዎም ኣብሪሁ።

“ብጽሒት ወነንቲ ብርኪ፡ ብጽሩይ መኽሰብ ናይ’ቲ ትካል፡ ከምኡ’ውን ብመጠን ዘውፈርዎ ገንዘብ’ዩ ዝውሰን” ዝበለ ሚኒስተር ተስፋስላሴ፡ መስርሕ ምዕዳል ብጽሒት ወነንቲ ብርኪ ዝዓበየ ክፋሉ ብጽቡቕ ይሰላሰል’ኳ እንተሎ፡ ቊጽሪ ናይ ባንክ ሕሳቦም ብዘይምልኣኾም ብጽሒቶም ዘይወስዱ ገለ ወነንቲ ብርኪ ስለዘለዉ፡ ብዝቐልጠፈ ቊጽሪ ሕሳቦም ክሰዱ ኣዘኻኺሩ።

ዓመታዊ ብጽሒት ሰብ ብርኪ፡ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራን ባንክ ኣባይትን ንግድን ኤርትራን ናብ ዝርከብ ናይ ውልቂ ሕሳባቶም ኣታዊ ከምዝኸውን ጠቒሱ ድማ፡ ዛጊት ቊጽሪ ሕሳቦም ስለዘይተፈልጠ ብጽሒቶም ዘይወሰዱ ዘለዉ፡ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ‘ኤሪቴል’ ክልእኽዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ወነንቲ ብርኪ ቅሬታ ምስ ዝህልዎም፡ ወይ’ውን ብዛዕባ ኣሰራርሓ ኤሪቴል፡ መስርሕ ምቅሊት ብጽሒትን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ጉዳያትን ክፈልጡ ምስ ዝደልዩ፡ ትካሎም ክፉትን ግሉጽነት ዝመልኦ ኣሰራርሓን ስለዝኽተል፡ ማዕጾኡ ርሕው ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories