ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ምስ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መዝረት፡ ሃበሮ ጻዕዳን ሓውሲ ከተማ ዓሪታይን – ንኡስ ዞባ ሃበሮ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ዘትዩ።

ኣቶ ዓሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ በረከንትያ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ክሳብ ፍልፍለ – ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዝተጸርገ ጽርግያ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክሳብ ሓውሲ ከተማ ዓሪታይ ከምዝኣቱ ንምግባሩን ንምስፍሑን መደብ ተሓንጺጹ ከምዘሎ ገሊጹ።

ጸገም ዝስተ ማይ ሃበሮ ጻዕዳ ንምፍታሕ እውን፡ ብክኢላታት መጽናዕትን ተፍትሽን ብምክያድ ክስራሓሉ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ዓሊ፡ ህዝቢ ጸጋታት ከባቢኡ ብግቡእ ብምጥቃም መንብሮኡ ንምምሕያሽ ክነጥፍ ኣዘኻኺሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣብቲ ዞባ ኣቶ ባህታ ቴድሮስ ብወገኑ፡ ህዝቢ ማይ ክዖታት ንምፍዋስ፡ ከምኡ’ውን ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት ብዝለዓለ ክደፍኣሉ ብምልባው፡ በብእዋኑ ዝስርሑ ዘለዉ ዲጋታትን ራህያታትን ጽፍሓውን ትሕተ-ባይታውን ትሕዝቶ ማይ ኣብ ምህብታም ልዑል ተራ ስለዘለዎም፡ መስኖኣዊ ሕርሻ ብምምዕባል ምህርቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ክብ ንምባል ክሰርሑ ተላብዩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ኣቶ ተኸስተ ኣስገዶምን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀልን እውን፡ ቅርጺ መሬትን ዘይምቹእ ኣቀማምጣን ንኡስ ዞባ ሃበሮ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝሓትት ብምሕባር፡ ህዝቢ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ዝተበላሸዉ ጽርግያታት ኣብ ምጽጋን፡ መሬት ሕርሻ ኣብ ምድኳዕን ምልስላስን ከድህብ ምኽሮም ለጊሶም።

ነበርቲ፡ ህንጸት ጽርግያ ሃበሮ ጻዕዳ – መዝረት ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ክሕሰበሉ፡ ናይ ማሕረስ ትራክተራት ክምደባ ዝብልን ካልእን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

Categories