ዓለማዊ መዓልቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ፡ “ዓሶ ንምቊጽጻር፡ ሕጂ’ውን ዓጸፋ ንስራሕ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ተዘኪራ።

ብደረጃ ዞባ ማእከል ብ28 ሚያዝያ ኣብ ጻዕዳ-ክርስትያን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሕማም ዓሶ ንምውጋድ ብዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ብልዑል መጠን ነክዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብ ምጥፋእ ተቓሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብደረጃ ሃገር’ውን፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ዓቢ ዓወት ዝጐናጸፋ ዘለዋ ሃገራት ከምዝዀነት፡ ኣብ ምስማር ሸቶታት ሚለንዩም ዘመዝገበቶ ዓወት ድማ ናይ’ዚ መርኣያ ምዃኑ በሪሁ።

ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ሓጋዝ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ድማ፡ ሕማም ዓሶ ብ97 ሚእታዊት ንምቊጽጻሩ ተኻኢሉ ከምዘሎ ተገሊጹ። ንምሉእነትን ደግሲ ከየጋጥምን ጻዕሪታት ብውህደት ክቕጽል ድማ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝርከባ ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ናይ ዘካየድኦ ንጥፈታትን ውጽኢቱን ጸብጻብ ከቕርባ እንከለዋ፡ ነቲ ሕማም ንምጥፋእ ዝሕግዝ ውጥን ከም እተሓንጸጸ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories