ባሕቲ ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ቀጽሪ ፋብሪካ ኮካ-ኮላ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ- ስርዓት፡ “ሓያል ውዳቤ ንኣድማዒ ማሕበር” ብዝብል ቴማ ብልዑል ማዕርግ ተኸቢራ።

ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ምሉእ ዘመን ዘቚጸረ መግዛእታዊ ጭቈናን ኣድልዎን ዝሰገሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት፡ ኪንዮ ኣመለኻኽታ ዕዮን ዓያይነትን ብምስጓም፡ ብሃገራዊ መንፈስ ተጠሚሮም፡ ከም ሰራሕተኛን ሃገራውን ካብ ምዕዋት ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ዳግመ-ህንጻውን ልምዓታውን መደባት ከይሰልከዩ ይዓዩ ምህላዎም ገሊጹ። ዘለናዮ መድረኽ – መድረኽ መኸተ፡ ህንጸትን ልምዓትን ከም ምዃኑ መጠን፡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብጽንዓትን ተወፋይነትን ግቡኦም ኣብ ምብርካት ከምዝርከቡ እውን ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ዝርከበን ገለ ኣህጉራዊ ትካላት ዘጽደቓኦ፡ ኣብ ረብሓ ሃገር ዝውዕል ናጻ ኣገልግሎት ፍቑድ እናሃለወ፡ ንሱታፌ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ናይ ልምዓት ወፍሪ ዘይሕብሩ ንምልካይ ዝግበር ፈተነታት፡ ንድርብ መለክዒታተን ዘነጽር ምዃኑ ኣረዲኣ። ርእሳ ኣቕኒዓ እትነብር ሃገር ክውንቲ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ምርብራብ፡ ሰራሕተኛታት ብሓፈሻ ሃኮሰኤ ድማ ብፍላይ፡ ውዳበኦም ብምሕያል ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ድማ ኣስሚራትሉ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣብ ዘለናሉ ትዝከር ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ንስራሕን ሰራሕተኛታትን ቀዳምነት ዝህብ ስለዝኾነ፡ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ብሞያን ትምህርትን ንምጉልባት ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ ብደረጃ ሃገር ንመበል 27 ግዜኣ፡ ብዓለም ደረጃ ድማ፡ ንመበል 128 ግዜኣ’ያ ተዘኪራ ውዒላ።

Categories