ሓረስቶት ሽዕብ፡ ዝተሰብረ ዓግማትን ጀሪፋትን ብምጽጋን ካብ ከበሳታት ዝወርድ ወሓይዝ ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት ከምዝኣቱ ንምግባር ዘካየድዎ ወፈራታት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝረኸብሉ፡ ኣብ ዘካየድዎ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ሓረስቶት ሽዕብ ኣቶ መሓመድ-ኑር ሙሳ ሽሩፍ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣባላት ማሕበር ብጉልበቶምን ኣብዑሮምን ብዘርኣይዎ ውህደት፡ ኣድማዒ ዕዮ ከምእተሰላሰለ ብምጥቃስ፡ ፍረ ጻዕሮም ኣብ ምህርቶም ከምእተንጸባረቐ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ዝተበላሸወ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ንምጽጋን፡ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ሓቲቶም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ኰለላታት እናገበሩ ዘራእቶም ካብ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ክከታተሉን ክከላኸሉን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ዝተመስረተ ማሕበር ሓረስቶት ሽዕብ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 500 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 5 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።

Categories