ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እወታዊ ሸነኻት ልምዳዊ ፍወሳ ንምምዕባልን ጐዳእቲ ሸነኻቱ ንምእራምን ልዑል ኣተኲሮ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዳይረክተር ሃገራዊ መደብ ምቊጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣቶ ኢያሱ ባህታ ገሊጹ።

ኣቶ ኢያሱ፡ ልምዳዊ ፍወሳ ብዓለም ደረጃ ቈላሕታ ተዋሂብዎ ንምምዕባሉን ምስ ዘመናዊ ሕክምና ተላፊኑ ጥዕና ህዝቢ ከምዘውሕስ ንምግባርን ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ። 41 ሃገራት ኣፍሪቃ ንልምዳዊ ፍወሳ ዝምልከት ፖሊሲ ከምዘውጽኣ – 29 ካብአን ሕጋዊ ሰነድ፡ 19 ሕጊ ሞያዊ ስነ-ምግባር፡ 28 ድማ ናይ ምርምር ኢንስቲትዩት ምቛመን ድማ፡ መርኣያ ኣገዳስነት ናይቲ ዓውዲ ምዃኑ ገሊጹ።

ቅድሚ ምዕባለ ዘበናዊ ሕክምና፡ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ልምድታትን ኣገባባትን ጥዕናኡ የውሕስ ከምዝነበረ – እዚ ሎሚ ክስርሓሉ ዝድለ ዘሎ ድማ፡ ካብ ብዝሒ ትዕዝብትን ተመኲሮን ዝመጸን ናብ ወለዶታት ዝተዋራረሰን ምዃኑ፡ ጐዳእቲን ዘይቅቡላትን ንዝኾኑ ልምዳዊ ፍወሳታት ምውጋድ ግን ግድነታዊ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ 2017 ንልምዳዊ ፍወሳ ዝምልከት ፖሊሲ ከምዘውጸአ፡ ብኡ መሰረት ድማ ኣማኻሪት ኮሚተ ልምዳዊ ሕክምና ከምዝቘመት ዝገለጸ ኣቶ ኢያሱ፡ እቲ ፖሊሲ – ሞያዊ ስነ-ምግባር ናይቶም ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ዜጋታት ምርግጋጽ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ብምውዳብ ንቕሓት ህዝቢን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ምብራኽ፡ ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ምርምርን መጽናዕትን ኣብ ልምዳዊሕክምና ዝብል ትሕዝቶ ከምዘጠቓልል ኣብሪሁ።

ምርግጋጽ ኣእምሮኣዊ ዋኒን፡ ምስራዕ መለክዒታት ደረጃ፡ ምፍራይ ብቑዓትን ኣድማዕትን ባህላውያን ኣፋውስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ልምዳውያን ፈወስትን ሞያውያን ዘበናዊ ሕክምናን ናይ ምርድዳእን ምትሕብባርን ባይታ ምፍጣር ዝብሉ መዳያት’ውን፡ ኣብ’ቲ ፖሊሲ ሰፊሮም ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

ኣቶ ኢያሱ፡ ልምዳዊ ፍወሳ በቲ ዝግባእ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል፡ ልምዳውያን ፈወስቲ – ንብዝሖምን ዝነጥፉሉ ዓይነታት ፍወሳን ዘነጽር መጽናዕታዊ ዳህሳስ፡ ጽፈት ንጥፈታቶምን ተሓታትነትን ዘረጋግጽ ስልጠናታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ምትሕብባሮም ከሐይሉ ትጽቢት ከምዝግበር ኣዘኻኺሩ።

ልምዳዊ ፍወሳ፡ ኣትክልታዊ፡ ወጌሳውን መንፈሳውን ተባሂሉ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሰነዳት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ዝጥቀምሉ እዩ።

Categories