ነበርቲ ንኡስ ዞባ ገለብ፡ በብከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ካልእ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን ንምዕዋት፡ ካብኦም ዝሕተት ከበርክቱ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

እቶም ነበርቲ ነዚ ዝገለጹ፡ ብ29 ሚያዝያ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ዝተገብረ ርክብ እዩ።

ኣቶ ዓሊ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ብግቡእ ክምዝመዝ፡ መስመራት ምሕላብ – ገለብን ኣይባባ – ምሕላብን ብኮማዊ ተሳትፎ ክጽረግን ክሰፍሕን ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር ዞባ ዘድሊ ቀረባት ኣዋዲዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ ብወገኑ፡ ክብርታትን ባህላዊ ውርሻታትን መሰረት ህላወን ቀጻልነትን ስለዝኾኑ፡ በቲ ዝግባእ ናብ ወሎዶታት ክመሓላለፉ፡ ሃገራውያን ማሕበራት ድማ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ተራአን ከዕዝዛ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ጉዳይ ምስራሕ ራህያታትን ዲጋታትን ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ጸገም መራኸቢታት ፍታሕ ክናደየሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories