ሃገራዊ ኮርፖሬሽን መድሕን ኤርትራ (ሃ.ኮ.መ.ኤ.)፡ ዓቕሚ ምሕደራ ብቦርድ ናይ ዝካየዳ ትካላት ዘበርኽ ሰሚናር፡ ብ26ን 27ን ሚያዝያ ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ኣካዪዱ።

እቲ ኣባላት ቦርድ ናይ’ተን ትካላት ዝተሳተፍዎን፡ ብምትሕብባር ‘Zep RE’ ካብ ዝተባህለ ኬንያዊ ናይ ዳግመ-መድሕን ኩባንያ ዝመጸ ክኢላ ዝተኻየደን ሰሚናር፡ ተራን ሓላፍነትን ቦርድ ኣብ ሓደ ትካል፡ ስልጣን ቦርድ ኣብ ምሕደራን ምክትታልን ዋኒናት፡ ናይ ኤርትራ መርሓ ምሕደራ ዋኒናት፡ ምክልኻል ክሳራታት፡ ኣተሓሕዛ ዓሚል፡ ከምኡ’ውን ዝምድና ወነንቲ ብርክታትን ምምሕዳርን ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ።

ወሰንቲ ኣዕኑድ ኣብ ቅኑዕ ምሕደራ ዋኒን፡ ቦርድ ከስተብህለሎም ዝግባእ ጉዳያት፡ ምሕደራ ሓደጋ፡ መስርሕ ምምራጽ ንቦርድ ዝመርሕ ሰብን ከማልኦም ዝግባእ ረቛሒታትን፡ ስትራተጂካዊ ውጥን፡ ውሽጣዊ ፖሊሲን ምጽብጻብን፡ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት እውን ኣስተምህሮን ዘተን ተኻዪዱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገራዊ ኮርፖሬሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል፡ እቲ መደብ ኣካል ናይ’ቲ ኣፍልጦ ኣባላት ቦርድ ትካላት ዝያዳ ንምብራኽ በብግዜኡ ዝውደብ ሞያዊ ሰሚናራት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ዘርኡ ኣስዒቡ፡ ኣባላት ቦርድ ትካላት ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ስለዝቀያየሩ፡ ክኢላታት እናዓደምካ ተመሳሳሊ ናይ ዘተ መደባት ምውዳብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በዚ ናይ ክልተ መዓልታት መደብ፡ ተራ፡ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣባላት ቦርድን ዝምድናኦም ምስ ወነንቲ ብርኪን፡ ከምኡ’ውን ናይ ምብህሃልን ምምልላእን መንፈስ ክዓቢ ትጽቢት ከምዝግበር ኣረዲኡ።

Categories