ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ሕማም ዓሶ ድማ ብፍላይ ንምክልኻልን ንምቊጽጻርን ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ጽቡቕ ውጽኢት ከምእትረኸቦ ተሓቢሩ።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ንምግምጋም ብ25 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ 2017 ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ከምዝጐደለ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ንኡስ ዞባ ጎልጅ ነርስ ጊላይ ሞሳዝጊ ገሊጹ።

እዚ ውጽኢት’ዚ ክምዝገብ ዝኸኣለ፡ ሳላ’ቲ ብሞያውያን ጥዕና ዝተመርሐ ሰሙናዊ ዝካየድ ወፈራታት ጽሬት፡ ከምኡ’ውን ምዕዳል ናሙስያን ምንጻግ መድሃኒት ኣብ ኣበይቲን ከምዝኾነ፡ ነርስ ጊላይ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ቊጽሪ ሕሙማት ዓሶ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብ80 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ብምሕባር፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ኣብ’ተን ገና ልዑል መጠን ተርእዮ ናይ’ቲ ሕማም ዝምዝገበለን ዘሎ ንኡሳን ዞባታት ሞልቊ፡ ላዕላይ ጋሽ፡ ሻምብቆ፡ ተሰነይን ጎልጅን ኣተኲሮ ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊጹ።

ኣብቲ ጨንፈር ሓላፊ ጐስጓስን ሓበሬታን ኣቶ ስልጣን ሓጐስ እውን፡ ዓሶ ንምቊጽጻር ዝካየድ ጐስጓሳት፡ ወፈራታት ጽሬት፡ ምዕዳል ናሙስያን ምንጻግ ጸረ- ጣንጡ መድሃኒትን ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ናሙስያ ብግብእ ዘይምጥቃምን ምስ ሓመምካ ተቐላጢፍካ ዘይምሕካምን ካብቶም ክእረሙ ዝግብኦም ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ኣብ ተጠቃምነት ናሙስያ ዝርአ ሸለልትነት ክውገድ ኣተሓሳሲቡ።

Categories