ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ዝመርሖ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ 22 ክሳብ 24 ሚያዝያ 2018 ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ፈጺሙ።

ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ምትሕብባርን ኣተኲሩ ተመያይጡ።

Categories