ዓለማዊ መዓልቲ ድሕነት – 28 ሚያዝያ፡ ኣብ ሃገርና ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዘኪራ።

ብምኽንያት’ቲ ዕለት፡ ኩባንያ ‘ሊብያ ኦይል’ ምስ ክፍሊ ህንጻዊ ስራሓት ዞባ ማእከል ብምትሕብባር፡ ኣብ ክልተ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ንዝርከብ መንገዲ ኣጋር ቀለም ናይ ምቕባእ ዕማም ተሰላሲሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ‘ሊብያ ኦይል’ ኣቶ ኣሕመድ ኣልገምበሪ፡ ተጠቃምነት ጽርግያታት ምስ ድሕነት ህይወት ስለዝተኣሳሰር፡ እቲ ዝተኻየደ መንገዲ ኣጋር ናይ ምልካይ ስራሕ ዓቢ’ኳ እንተዘይኮነ – ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ኣብ ከባቢ ቤት-ትምህርቲ ኣዱሊስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምልካይ መደብ፡ ወከልቲ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ፖሊስ ትራፊክን ኣባላት ኩባንያ ‘ሊብያ ኦይል’ን ካልኦትን ተሳቲፎም።

ዓለማዊ መዓልቲ ድሕነት፡ ኣብ ኤርትራን ልዕሊ 28 ዓማዊል ‘ሊብያ ኦይል’ ኣብ ዝኾና ሃገራትን ተዘኪራ ከም ዝወዓለት ተፈሊጡ።

Categories