ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ (ሃ.ኮ.መ.ኤ.)፡ ድሕነት ህይወትን ንብረትን ንምርግጋጽ፡ ንጥፈታቱ ኣብ ምስፋሕን ምምዕባልን፡ ከምኡ’ውን ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ምብራኽ ዝቐንዐ መደባት ሰሪዑ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ትካል ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል ሓቢሩ።

እቲ ትካል፡ ከጋጥም ንዝኽእል ሃንደበታዊ ሓደጋታት ናይ መድሕን ሽፋን ከምዝህብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዳግመ-መድሕን ብምእታው ንጥፈታቱ ከምዘሰላስል ዝገለጸ ኣቶ ዘርኡ፡ ህዝቢ ንዝወሃብ ኣገልግሎታት ብግቡእን ብማዕረን ክጥቀመሉ ምእንቲ፡ ኣፍልጦኡን ደረጃ ንቕሓቱን ክብርኽ ስለዘለዎ፡ ኣብ’ዚ ዘተኰረ መደባት ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

“ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ናይ መድሕን ቅሳነት’ዩ ዝሸይጥ” ዝበለ ኣቶ ዘርኡ፡ ኩለን ተሽከርከርቲ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ሳልሳይ ኣካል መድሕን ክኣትዋ ግዴታ ከምዘለወን፡ ካብ’ቲ ኣብ ዓመት ዝሽየጥ ኣስታት 250 ሚልዮን ናቕፋ ናይ መድሕን ውዕላት – እቲ 150 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ሽፋን ናይ መኪና መድሕን፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ካልእ ዓይነታት መድሕን ዝርከብ ምዃኑ፡ ካብ’ዚ ኣብ 2017 ኣስታት 92 ሚልዮን ናቕፋ ዝተጻረየ መኽሰብ ከምዘመዝገበ ኣረዲኡ።

ካብ’ቲ ዘይማዕበለ ናይ መድሕን መሸጣ፡ ናይ ህይወት መድሕን ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ዘርኡ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 2 ሚእታዊት ናይ ጠቕላላ እቶት ዘመዝገበ ናይ ህይወት መድሕን፡ ኣብ 2020 ናብ 10 ሚእታዊት ክብ ክብል ትጽቢት ከምዘሎ፡ ናይ ሕርሻ፡ ጥሮታን ሕክምናን መድሕናት ንምምዕባል እውን ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣቶ ዘርኡ፡ 2200 ኤርትራውያን ወነንቲ ብርኪ ከምዘለዉ፡ መንግስትን ማዕከን መልዕሎ ስድራ ስዉኣትን እውን ብርክታት ከምዝውንኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ኣብ ዝግበር ወነንቲ ብርኪ ዝሳተፍዎ ገምጋም ስራሕ፡ ብጽሒት መኽሰብ ከከም ዝውንንዎ ብርክታት ከምዝመቓራሕ ገሊጹ።

ኣብ 1992 ዝቖመ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ኣብ ኬንያ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጀርመንን ዳግመ- መድሕን ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ትካል ምምስራሕ መግቢ እንስሳታት ከምዝውንን ሰነዳቱ ይሕብሩ።

Categories