ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከተማ ኣስመራ ንምምዕባልን ንምስፋሕን ብምምሕዳር ዞባ ማእከል ተመሪሑ ብማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ብ26 ሚያዝያ ንዘተ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ፡ ብደረጃ ሃገር ላዕለዎት ኣወሃሃድቲ መደባት ልምዓት፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ከተማ ኣስመራ ብዅለንትናኣ ዝተማልአን ጽፉፍን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኽህልዋ ዝሕግዝ እማመታት ዘጠቓለለ፡ ዝርዝራውን ዓሚቚን መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ።

እቲ ብጆሜትራ ጌታቸው መርሃጽዮን ካብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ቀረብን ጠለብን ማይ ከተማ ኣስመራ፡ ምዕባለ ኤለክትሪሲትን ጸሓያዊ ጸዓትን፡ መስመር ረሳሕ ፈሳሲን ጽሬት ከተማን፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ጽገና ጽርግያን፡ ክረምታዊ ተፋሰስን ማይክዖታትን፡ ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ከምኡ’ውን መኸዘኒታት ማይን ካልእን ዝጥርንፍን ብዕምቈት ዝፍትሽን’ዩ።

ጆሜትራ ጌታቸው፡ ቀረብ ማይ ከተማ ኣስመራን ዝርጋሐኡን፡ ምንጭን መገብቲ ዲጋታትን፡ ዝርጋሐ ሻምብቆታት ማይን ዘሎ ሕጽረታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝዘንብ ዝናብ፡ ማይክዖታቱ ተለልዩ ብግቡእ ክኽዘን እንተኽኢሉ፡ ኣስመራ ጸገም ማይ ከምዘይብላ ኣስሚሩሉ።

ህዝቢ፡ መንግስቲ ብዝድጒሞ ስማዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ማይ ከምዝረክብ ዝሓበረ ጆሜትራ ጌታቸው፡ ኢንዱስትሪታትን ዓበይቲ ትካላትን ግና ብኸምኡ ክቕጽል ስለዘይከኣል፡ ናይ ታሪፍ ምትዕርራይ ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ እቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ዝርዝራውን ስእሊ ዝህብን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ደረጃ ብደረጃ ንምትግባሩ ምምሕዳር ዞባ ዝከኣሎ ከምዝገብር ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ኣስመራ ከም ማእከል ምምሕዳር መንግስቲ መጠን፡ ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተጠቕሱ፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ተለልዮም መድረኽ ብመድረኽ ክስራሓሎም ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኰነ ብደረጃ ዞባታት ዝተታሕዘ ሓያሎ ናይ ልምዓት መደባት’ውን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories