ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሽወደን፡ ብ21ን 22ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሄስለሆልም – መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ ከምዘካየደ ተፈሊጡ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ንኡሳን ጨናፍር ስቶክሆልም፡ ኡፕሳላ፡ እረብሩ፡ ዮቶቦሪ፡ ስካራ፡ ኦነቢ፡ ሉንድ፡ ማልሞ፡ ስሞላንድን ፍሌንን ዝተረኽባሉ ኣኼባ፡ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውጽኢቶምን ክግምገም እንከሎ፡ ነቲ ውዳበ ንምሕያል ኣብ ዝሕግዙ ነጥብታትን መጻኢ መደባት ስራሕን ተዘትዩ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ንኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምሉእ ኣግእዞ ደቂ- ኣንስትዮ ንምርግጋጽ፡ እዚ ኣበርክቶ’ዚ ብተካእቲ ወለዶታት ክውረስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ካልእ ንጥፈት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት – ጀርመን ዝርከብ ብ‘ጉጅለ ጽንዓት’ ዝፍለጥ ውዳበ ዜጋታት፡ ብ21 ሚያዝያ ኣኼባ ኣቃኒዑ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ንተራ መንእሰይ ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡ ምውሓስ ልኡላውነትን መደባት ልምዓትን ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣወሃሃዲ ‘ጉጅለ ጽንዓት’ መንእሰይ ዘሚካኤል ገብረገርግሽ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ጉጅለ፡ ራኢ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምስማር ብህዝብን መንግስትን ንዝሰላሰል ዘሎ መደባት ምድጋፍን ሓቀኛ ምስሊ ሃገር ንምንጽብራቕን ምዃኑ ገሊጹ።

Categories