ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡሳን ዞባታት ዓዲ- ቐይሕን ዓዲ-ዃላን፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ንዝተኸስተ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምጥፋእ ስጉምቲ ተወሲዱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣርኣያ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ተኾንዳዕ፡ ማእለውያ፡ እምባኳዃትን መንደፈራን ብዝተገብረ ኰለላታት፡ ኣብ ኣስታት 2.5 ሄክታር ዕፉን እቲ ሳጋሚ ባርኖስ ስለዝተራእየ፡ እቲ ዕፉን ተማሕዩ ተቓጺሉ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ኣቶ ንጉሰ ወልደሚካኤል እውን፡ ኣብ ጀራዲን ብዝተገብረ ምክትታል፡ እቲ ሓደገኛ ባልዕ ስለዝተራእየ፡ ኣብ ኣስታት 45 ሄክታር ለሚዑ ዝነበረ ዕፉን ተዓጺዱ ከም እተቓጸለ ኣረዲኡ።

ዘርኢ ዕፉን ከም ቀንዲ መግብን መራብሕን ናይ’ቲ ባልዕ ስለዘገልግል፡ ዝኾነ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእዮ ዘራእቲ ምሒኻ ብምንዳድ፡ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ለበዳ ንምክልኻል ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ክኢላታት ሕርሻ፡ ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ኮለላታት ከካይዱን ዝኾነ ባልዕ ምስ ዝዕዘቡ – ብቕልጡፍ ንክኢላታት ሕርሻ ክሕብሩን ተላብዮም።

Categories