ኣብ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሞጎራይብ-ጎኜ ዝተኣታተወ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንተመሃሮ ምስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ንምልላይ ዘለዎ ተራ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብቕዓቶም ክብ ኣብ ምባል እውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ተረኺብዎ።

ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ክብሮም ኣስመሮም፡ ንእዋናውነት ናይ’ቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ቤት-ንባብን ኣገዳስነቱን ጠቒሱ፡ እቲ መደብ ክውን ንክኸውን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ሮራ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ኣመስጊኑ።

ብ30 ኮምፕዩተራትን 17 ታብሌታትን ዝተበገሰ ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ሞጎራይብ-ጎኜ፡ ኣብ ቀጽሪ ናይታ ቤት-ትምህርቲ ናይ ‘ዋይፋይ’ ኣገልግሎት ስለዘለዎ፡ ተመሃሮ ውልቃዊ ሞባይላቶም ተጠቒሞም ዘድልዮም ትሕዝቶ ክመርጹ በቒዖም ኣለዉ።

Categories