ካብ ከረን ናብ ኣስነዳ – ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ዝኣቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ ንምጽራግን ንምስፋሕን፡ ብኩባንያ ህንጻ ሰገን ዝተጀመረ ስራሕ ጽቡቕ ይግስግስ ኣሎ።

ነዚ መትኒ ንግዳዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ዝኾነን ክሳብ ርከብ ዝቕጽልን 120 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መስመር ንምምሕያሽ፡ ብኽልተ ኣንፈት – ማለት ንኡስ ዞባ ሰልዓን ንኡስ ዞባ ሓመልማሎን ብዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ዛጊት 102 ኪሎ- ሜተር ከምእተዛዘመ ተፈሊጡ።

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ምስ ምጽራግ ናይ’ዚ መስመር፡ ኣብ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ስሉጥነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ቀረባቱን እቲ ለውጢ እናጐልሐ ይመጽእ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ምሩጽ ሓመድ ናይ ምንጻፍ መስርሕ ምሉእነት ክህልዎ፡ ከምኡ’ውን ምስ ምእታው ክራማት እቲ መስመር ከይሽርሸርን ከይበላሾን፡ ካናለታት ክስራሓሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ነቲ መስመርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ድሕሪ ምዕዛብ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ንስሉጥነት’ቲ ስራሕ ካብኡ ዝድለ ከማልእ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ከም ውጽኢት ናይ‘ቲ ዝሰላሰል ዘሎ ምጽራግ ጽርግያ፡ ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ካብ 16 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ መስመር ከረን – ቀርጸት (ንኡስ ዞባ ሓልሓል) ንመጀመርያ እዋን ኣውቶቡስ መዲቡ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጀመረ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ተጠቀምቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ስሩዕነት ኣብ ዘይብሉ ጉዕዞ ንሓደ ሰብ 150 ናቕፋ ክኸፍሉ ይግደዱ ምንባሮም፡ ሕጂ ግን ብ26 ናቕፋ ስሩዕን ስሉጥን ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት፡ ሓንቲ ካብ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ኮይና፡ ካብ ከረን 84 ኪሎ- ሜተር ንሸነኽ ሰሜን ትርከብ።

Categories