ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ኣብ መዳይ ጥዕና ብዝግበር ዘሎ ምትሕግጋዝ፡ ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን ዘጠቓለለ ሓገዝ፡ ብ24 ሚያዝያ ንሚኒስትሪ ጥዕና ተረኪቡ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግን ተረኺቦም ነይሮም።

ሚኒስተር ኣሚና ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ምውናን በቲ ሓደ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ንምብጻሕ ድማ በቲ ካልእ ሓያል ጻዕሪን ገዚፍ ወፍሪን ዝሓትት ምዃኑ ጠቒሳ፡ ከም’ዚ ዓይነት ሓገዝ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝህልዎ ተራ ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ንመጻኢ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ኣምባሳደር ያንግ ዚጋንግ፡ ንታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ትካላት ጥዕና እኹልን ብቑዕን መሳርሒታት ንምዕጣቐን ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ደገፍ መንግስቲ ቻይና ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories