ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ዓሶ ድማ ብፍላይ ንምክልኻል ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ተሓቢሩ።

ነቲ መደብ ንምግምጋም ብ18 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ 2017 ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ብ76 ሚእታዊት ከምዝጐደለ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ዮውሃንስ ሽሞንዲ ገሊጹ።

እዚ ውጽኢት’ዚ ክምዝገብ ዝኸኣለ፡ ሳላ’ቲ ብሞያውያን ጥዕና ዝተመርሐ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ጽሬት፡ ምዕዳል ላምስያን ምንጻግ መድሃኒት ኣብ ኣባይቲን ከምዝኾነ ድማ በሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ብልጫታት ተዓቂቡ፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ብውህደት ክስራሕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

***

Categories