ሃገራዊ ማሕበር መሃንድሳት ስነ- ቀመም፡ ብ21 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ሃኮስኤ መስራቲ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ምሩቓትን ሞያውያንን ቀመማዊ ምህንድስናን ዝምልከቶም ኢንዱስትሪታትን ተሳቲፎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኢንዱስትሪ ኣቶ ታደሰ ወልደየውሃንስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ገና ዘይተመዝመዘ ሕርሻዊ፡ ማዕድናውን ሃብቲ ባሕሪን እናሃለወ፡ ንኢንዱስትሪታትና ዘገልግል ኣስታት 80 ሚእታዊት ጥረ-ነገራት ብልዑል ሸርፊ ካብ ወጻኢ ከምዝኣቱ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምፍታሕን ደረጃ ብቕዓት ፍርያት ኢንዱስትሪታትና ንምምሕያሽን፡ ሃገራዊ ማሕበር መሃንድሳት ስነ-ቀመም ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ከምዘይከውን እምነቱ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ ዕላማ ምምስራት ማሕበር መሃንድሳት ስነ-ቀመም፡ በዚ ዓውዲ ንዝተመረቑ ዜጋታት ብምውዳብ፡ ኣብ ምዕባለ ኢንዱስትሪታትናን ፍርያተንን ኣበርክቶ ምግባር ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነዚ ንምትግባር፡ ኣብ ምድንፋዕ ዓቕምታት ትካላትና ተራ ዝህልዎ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብኣባላት ማሕበር ክዳሎ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories