ሃገራዊ ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ሞያዊ ስነ-ምግባር ምምህርና ንምብራኽ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ21 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባጽዕ ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብቐንዱ ኣብ ስነ-ምምግባር መምህር ዘተኰረ ዛዕባታት ዝተዘተየሉ ርክብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መማህራን ኤርትራ መምህር ስምኦን መሓሪ፡ ንሞያዊ ስነ-ምግባር መምህር፡ ከምኡ’ውን ንቕሓትን ርድኢትን ሕብረተሰብ ኣብ’ቲ ሞያ ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ክብሪ ሞያ ምምህርና ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ዕዮ ገዛ ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ድማ፡ ምሕያል ኣካዳሚያዊ ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ተመሃሮ ኣብ ድሌትን ሞያዊ ስነ-ምግባርን መማህራን ስለዝምርኰስ፡ ኣካዳሚያዊ ደረጃ መማህራን ንምብራኽ ዝወሃብ ስልጠናታት፡ ከምኡ’ውን መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ዝግበር ምድግጋፍ ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንመምህር ዝህቦ ዓቢ ክብሪ ብምጥቃስ፡ ብቕዓትን ደረጃን ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕማም፡ ተራን ኣበርክቶን መምህር ወሳኒ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምትብባዕ፡ ምምሕዳር ከተማ ካብኡ ዝሕተት ከማልእ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 17 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዎ።

Categories