ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ምሕደራ ስዊዝን ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ብምትሕብባር ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ከምህሮም ዝጸንሐ 31 ዜጋታት፡ ትማሊ 21 ሚያዝያ፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብማስተርስ ተመሪቖም።

ተመረቕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሑ ኮይኖም፡ ብዓውድታት ምሕደራ ንግዲ፡ ፋይናንስን ምቊጽጻርን፡ ምሕደራ ዓቕሚ-ሰብ፡ ዓውለማዊ ቊጠባዊ ልምዓት፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን መዝነትን፡ ምሕደራ ውሕስነት ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን መሪሕነት ንግዲ’ዮም ተማሂሮም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ትምህርቲ መሰረት ኩሉ ቊጠባውን ማሕበራውን ዕብየት ሃገር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ኣብ ኮለጃት ዝወሃብ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዕድላት፡ ሓጺርን ነዊሕን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክወሃብ ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ምስ’ዘን ናይ ስዊዘርላንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ዩኒቨርስትታት ብምትሕብባር ብዝካየድ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ መደብ፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ዜጋታት ደረጃኦም ከምዘመሓየሹ ኣብሪሁ።

ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዳይረክተር ምዘናን ግምገማን ዶክተር ብስራት ገብሩ፡ ተመረቕቲ – ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝርከብ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ዝተኣትወ መብጸዓን ዝተገብረ ወፍሪን ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ መደብ፡ ናብ ወጻኢ ሰዲድካ ብምምሃር፡ ኣብ ኮለጃት ናይ ድሕረ-ምረቓ መደባት ትምህርቲ ብምስፋሕን ብኻልእ ኣገባባትን ይሰላሰል ከምዘሎ ኣብሪሃ። ተመረቕቲ ኣብ ዘለውዎ ትካላት ኣበርክቶኦም ከደንፍዑ ትጽቢት ከምዝግበር ድማ ኣዘኻኺራ።

ወኪል ተመረቕቲ ብግደኡ፡ ዕለተ መመረቕታ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጻዕሪ ዝሕፈሰሉ ዕለት በቲ ሓደ፡ ኣፍራይነት ንምድንፋዕ መብጸዓ ዘሐድስሉን ተወሳኺ ሓላፍነት ዝስከሙሉን ድማ በቲ ካልእ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝያዳ ሓላፍነት ተሰኪሞም ክሰርሑ ድልውነቶም ኣረጋጊጹ።

Categories