ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ትካል ሰብ- ሰርሖ መሓውር፡ ንጥፈታቱ ብምስፋሕ ጠለባት ስንኩላን ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ትካል ኣቶ ማእከለ ተኸስተ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ‘ቲ ትካል፡ ስንኩላን ከይተጸገሙ መዓልታዊ ሂወቶም ከሰላስሉ ንምሕጋዝ ምዃኑ፡ ዛጊት ድማ ንልዕሊ 9 ሽሕ ስንኩላን ናይ ባምቡላታት፡ መራዂስ፡ ዓረብያን ቊልፊ ዓንድ-ሕቖን ሰሪሑ ከምዝዓደለ፡ ሓያሎ ዝተበላሸወ እውን ከምዝጸገነ ኣረዲኡ።

ድልየት ዓማዊል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓቕሚ ኣፍራይነቱ ክብ ንምባል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ተበላሽዩ ዘሎ መሳርሒታት ንምጽጋን፡ ዝምልከቶ ኣካል ቅልጡፍ ቈላሕታ ክገብረሉ ኣዘኻኺሩ።

ኤሪና ዘዛራረበቶም ተገልገልቲ፡ ሳላ’ቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለየ ሞያዊ፡ ንግዳውን ሕርሻውን ንጥፈታት ተዋፊሮም – ዕለታዊ ህይወቶም ብዘይጸገም ይመርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ 1994 ዝተደኰነ ትካል ሰብ- ሰርሖ መሓውር ከረን፡ ካብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ንዝመጽኡ ስንኩላን ኣገልግሎት ይህብ።

Categories