ኣብ ዓዲ-ሕዱግ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ እትነብር ወ/ሮ ምሕረት ገብረማርያም እተባህለት ኣደ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣርባዕተ ማናቱ ተገላጊላ።

እዛ ብዝተገብረላ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዝሓረሰት ኣደ፡ ጥንሳ ኣዝዩ ከቢድ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዓዲ-ዃላን መንደፈራን ብሞያውያን ሳላ ዝተገብረላ ክንክን፡ ብንቡር ከም እተገላገለት ሓቢራ።

ጓል 32 ዓመት ወ/ሮ ምሕረት፡ ኣቐዲማ ኣርባዕተ ደቂ ከምዝነበርዋ ተፈሊጡ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ክኢላ መወለዳንን ሕክምና ማህጸንን ዶ/ር ዳዊት ሰረቐ፡ ኣርባዕተ ማናቱ ብሓንሳብ ዝገላገላ ኣዴታት ከም ተርእዮ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩነታት ጥዕና ናይ’ታ ኣደን ዕሸላታን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከቡ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ተርእዮ፡ ኣብ 2002 ኣብ ሆስፒታል መንደፈራ ኣጋጢሙ ምንባሩ፡ ሰነዳት ናይ’ቲ ሆስፒታል የረድኡ።

ዓዲ-ሕዱግ ካብ ከተማ ዓዲ-ዃላ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 13 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories