ኣባል ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ17 ሚያዝያ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ፡ ፈለማ ኣብ ዕጥቅን ስንቅን ውድብ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ድማ ብደረጃ ሓላፊ ሽማግለ ስፖርት ክሳብ ዕለተ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ኮሚኒቲ ኮለጅ ትምህርቲ ኣስመራ ከም ሓላፊ ንብረት ኮይኑ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ረቡዕ 18 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ- መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ያቆብ ገብረስላሰ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories