ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን መንሱራን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብምግምጋም፡ ውጽኢት ተመሃሮ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሳነ- መማህራን፡ ሓለፍቲ ኣሃዱታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ወከልቲ ህዝብን ዝተሳተፍዎ ገምጋም፡ ትካላት ትምህርቲ ክሳብ ርሑቕ ገጠራት ምስፍሑ ኣብ ምውሓስ ዕድል ትምህርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ምስኡ ዝዳረግ ብዘይምዃኑ ግን፡ ንምምሕያሹ ክውሰዱ ኣብ ዝግብኦም ተበግሶታት ተዘትዩ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘሎ ሕጽረት ትሕተ-ቅርጽን መሳለጥያታትን ንምፍትሑ ይስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዜጋታት ተራሕዩ ንዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክጥቀምሉ፡ ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖን ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ መንሱራ ኣቶ የማነ ተስፋሚካኤልን በብወገኖም፡ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ንምባል፡ ብወገን ምምሕዳራት ብዕቱብ ከምዝስራሓሉ ብምጥቃስ፡ ዝጐደለ መሳለጥያታት ንምምላእ ብኮም ክውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት ክድፋኣሎም ኣተሓሳሲቦም።

Categories