ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡሳን ዞባታት መንደፈራን እምኒ-ሓይልን፡ ዝሓለፈ ዓመት ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ዝተረኽቦ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ኣብ 100 ሄክታር ብጥሙር ማሕረስ ንምዝርኡ ቅድመ-ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ክኢላታት ሕርሻ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ክዝራእ ተመዲቡ ዘሎ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ኣብ ዓድታት ኩዶፈላሲን እግሪ-መኸልን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ’ቲ መደብ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ሓረስቶት፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሮም ግራውቶም የዳልዉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

እቲ ምድላዋት፡ ምዝላይ ብሓመድን እምኒን ከም ዘጠቓልል ዝሓበሩ’ቶም ክኢላታት፡ እዚ ምስ ተዛዘመ ብሞያውያን ሕርሻ እናተመርሑ ናብ ምድኳዕን ምሕራስን ክሰጋገሩ ምዃኖም ኣረዲኦም።

እቶም ሓረስቶት፡ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣብ እቶቶም ዓቢ ግደ ክህልዎ ብምትስፋው፡ መምርሒታት ክኢላታት ሕርሻ ተኸቲሎም የተግብርዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ብ‘ሲድራ’ ዝፍለጥ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ18 ሓረስቶት ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይልን መንደፈራን ተፈቲኑ፡ ንዝነበረ ዋሕዲ ዝናብ ተጻዊሩ ካብ ሄክታር ልዕሊ 20 ኩንታል ክሕፈስ ከምዝኸኣለ፡ ጸብጻባት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ የነጽር።

Categories