ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ዝመጻ ኮሚቴታት ዝተሳተፋኦ፡ ኣብ መሰላት ቈልዑን ተራ ኮም ኣብ ምድንፍዖምን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ ተኻዪዱ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ዘርእዝጊ ዮውሃንስ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1994 ዝፈረመትሉ ውዕል ኣህጉራዊ መሰላት ቈልዑ፡ መትከላቱ ንምትግባርን ህጻናት ኤርትራ መሰላቶም ተሓልዩ ንኽዓብዩን፡ ኩሉ- መዳያዊ ጻዕሪ ክትገብር ምጽናሓን ዝምስገን ገስጋስ ከም ዘመዝገበትን ብምጥቃስ፡ ብዝሓየለ መልክዑ ትሰርሓሉ ከምዘላ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ሰሚናር ዝተሳተፋ ኮሚቴታት፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ነንኡስ ዞባአን ንዝርከብ ህዝቢ ከመሓላልፋን ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምብራኽ ብውህደት ክሰርሓን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories