ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ዝነጥፉ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሕርሻዊ ጸጋታት ብግቡእ መዝሚዞም ምህርቶም ከሰስኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ኣዘኻኪሩ።

ዓውዲ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይተመዝመዘ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣባላት’ቲ ማሕበር ድኻማቶም ኣለልዮም፡ ቀለብ እንስሳ ንምውሓስን ፍርያት ጸባ ክብ ንምባልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

ማሕበር ተራድኦ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ንጥፈታቱ ንምግምጋም ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝተቓመመ መግቢ እንስሳ ጥራይ ተመርኲስካ እቶት ምድንፋዕ ስለዘይከኣል፡ ኣባላት – ቀለብ ጥሪቶም ንምውሓስ ልምዓት ሓምላይ መግቢ እንስሳ ዝያዳ ክደፍኡሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ መንግስቱ ሃብተ፡ ምኽሪ ክኢላታት ሕርሻ፡ ከምኡ’ውን ሓገዝን ምትብባዕን ምምሕዳር ኣብ ንጥፈታቶም ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ብምጥቃስ፡ ሕጽረታት መግቢ ጥሪት ንምፍዋስ፡ ሓምላይ መግቢ ብዝሰፍሐ ንምልማዕ ክነጥፉ ምዃኖም ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መንግስትኣብ ጠዓመ ድማ፡ ኣባላት ማሕበር ውህደቶም ኣደልዲሎም ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብረሎም ኣረጋጊጹ።

Categories