ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ንምዝታይ፡ ምስ ህዝቢ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ እቲ መደባት – ኣብ ዳሳት ንዘምህራ ዘለዋ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ህንጻታት ምስራሕ፡ ቀጽርታትን ካልእ ትሕተ- ቅርጽን ምጽጋን፡ ከምኡ’ውን ጽበት መምሃሪ ክፍልታትን ሆስፒታል ኣቑርደትን ምፍታሕ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ።

ኣብ ሩባ ባርካ ዝርከባ ንዝስተ ማይ ዘገልግላ ዒላታት ምጽጋን፡ ሻምብቆታት ዝስተ ማይ ከተማ ምቕያር፡ ኤለክትሪክ ናብ ዘይበጽሖ ከባቢታት ከተማ መስመር ምዝርጋሕ፡ ኣብ መስመር ኣቑርደት – ተክረረት ኣብ ዘሎ ሩባታት ቢንቶታት ምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ድበት ዝመልኣ ራህያታት ምጽራግ፡ ኣካል ናይ’ቲ መደብ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።

እዚ ውህደት ናይ ኩሎም ኣካላትን ኮምን ዝሓትት ዕማም፡ ገሊኡ ድሮ ኣብ ትግባረ ከምዝርከብ፡ ኣቶ ኢሳቕ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ንምዕዋት መደባት ድልውነቶም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ናይ’ታ ከተማን፡ ብጥሪት ዝብላዕ ዘሎ ናይ ጐደና ኣትክልቲን ቈላሕታ ክግበረሎም ሓቲቶም።

***

Categories