ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብመሳርሒታት ሙዚቃን ጥበባቱን ዝሰልጠኑ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ‘ኣውካን’ ናይ ሓይሊ ባሕሪ፡ ብ14 ሚያዝያ ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሰልጠንቲ ብመኰነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተዋሃበ ናይ ድራማ ትምህርቲ እውን ከም እተኸታተሉ ተገሊጹ።

ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ መምህር ኤልያስ ወልደገብርኤል፡ ሞያ ሙዚቃ ብቐጻሊ ጻዕሪን ፈጠራውነትን ከምዝምዕብል ጠቒሱ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ከም መበገሲ ወሲዶም ብስራሕ ከማዕብልዎ ተላብዩ።

ኣብ መኰነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሓላፊ ባህልን ስነ-ጥበብን ሌተና ኮሎኔል ክብሮም ዓንደሚካኤል፡ ኣብ መጻኢ ንዝያዳ ኣድማዕነት – ትምህርቲ ሙዚቃን ድራማን ተፈላልዩን ረርእሱ ክኢሉን ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ወኪል ሓይሊ ባሕሪ ብወገኑ፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ዝትግብርዎ ዘለዉ መደባት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ በብደረጃኡ ክብ ንምባሉ እውን ክስርሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories