ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብኣላይነት ክኢላታት ሕርሻ ኣብ 12 ዓድታት ብዝተኻየደ ኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣስታት 100 ሄክታር ከምእተዛለየ ተሓቢሩ።

ውጽኢት ናይ’ቲ ወፍሪ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ ሕሩይ ዮውሃንስ፡ ብጠቕላላ 4,400 ወፋሮ ዝተሳተፍዎ ዕማም ከም እተሰላሰለን ውጽኢታዊ ምንባሩን ጠቒሱ፡ ጸገም መሳርሒን ዘይምውህሃድ ዝምልከቶም ኣካላትን ካብ ቀንዲ ጉድለታት ምንባሮም ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሚኪኤል ተኪኤ ብግደኡ፡ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምግምጋም፡ ድኽመታትካ ኣለሊኻ ውጽኢታዊ ስራሕ ንኽትዓምም ሓጋዚ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣብ መንጎ መራሕቲ ስራሕ፡ ምምሕዳራትን ክኢላታት ሕርሻን ውህደት ክህሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ድማ፡ ህዝቢ ንዘርኣዮ ተበግሶ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዝሰላሰል ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ወቕቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን፡ ከምኡ’ውን መጽናዕተን ዝተወድአ ከዘንቲ ማያት ክቀላጠፋ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ነበርቲ ከተማ ጊንዳዕ፡ ብዝናብን ውሕጅን ዝተባሕጎጐ ናይ ሓመድ ጽርግያ ኣብ ምጽጋን ይነጥፉ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories